ዓሌታውነትን ዓመጻ ፖሊስን የቋርጽ!

ን25 ግንቦት 2021 ዝግበር መደብ ንሕና ንጥርንፍን ስጕምትቲ ዝዉሰደሎም ዉጥንን ነዉጽእ ኣለና።

  • ንብ25 ግንቦት 2020 ጆርጅ ፍሎይድ ብጭካነ ኻብ ዚቕተል ናይ መጀመርታ ዓመት።
  • ንእታ ብ25 ግንቦት 1963 እተመስረተት ጸረ-መግዛእቲ ሓድነት ኣፍሪቃ እትዝክረላ መዓልቲ ሓርነት ኣፍሪቃ (ALD)
  • ንመበል 10 ዓመት እቲ ብ19 ግንቦት 2011 ክሪስቲ ሽዋንደክ ብጭካነ እተቐትለሉ ዕለት።

ንዓና ኣንጻር ዓሌትነት እንገብሮ ቓልሲ ዝንባለ ወይ መሕለፍ ግዜ ዘይኰነስ መዓልታዊ ናብራ እዩ ። ካብቲ ጆርጅ ፍሎይድ ብጭካነ እተቐትለሉ እዋን ኣትሒዝና ተቓውሞ ኽንገብር ከም ዘሎና ሙሉእ ርትዒ ኢና ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ብራዚል: ሃይቲ፣ ናይጀርያ ሰኔጋል ይኹን ኣብዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ኵሉ ቦታ ገዛእ ንመሰልና ክንከላኸልን ክንውድብን ኣሎና። 25 ግንቦት እታ ጆርጅ ፍሎይድ እተቐትለላ መዓልቲ ጥራይ ኣይኰነትን ። ካብ 1963 ኣትሒዙ 25 ግንቦት ኣብ ክለን ክፍለ ዓለምን  ኣብ ስደትን መዓልቲ ሓርነት ኣፍሪቃ ተባሂሉ እውን ክበዓል ጸኒሑ ኢዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሓድነት ንኸነጥርን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግዝኣት ወጻኢ ናጻ ንኽንከውንን ዝገበርናዮ ቘራጽነት እተመልክት እያ ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምን ቍጠባዊ ስርዓትን ኣብቲ ንዘመናት ዝጸንሐ መስርሕ ባርነት ብኣውሮጳዉያን ኣብ  ጃምላዊ ቕትለት ከምኡውን መግዛእቲ እተመስረተ ኢዩ። ዓሌትነት ማለት ልዕልና ጸዓዱ ብዝብልዎ ስነ ሓሳብ ኮይኑ፣ ካብቲ እተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ምኽንያት ደረት ዘይብሉ ዓመጽን ምዝመዛን  እዩ።  ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ጸለምቲ ብሜላ ዝወርዶም ቅትለት ንዕቀት ጭቈና ከምኡውን ውርደት ነዚ ድሕረ – ባይታ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጥራይ ኢና ኽንርድኦ እንኽእል ንኹሉ ዓመጻት ።

ዓሌትነት ካብ ስርዓት ናዚ ጀርመን ኣይኰነን ጀሚሩ ። ጀርመን ካብቲ ኣብ ስግር ኣትላንቲክ ዝርከብ ባርነት ዝረኸቦ መኽሰብ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኣብ ናምብያ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ክሳዕ እቲ ሎሚ መንግስቲ ንፋሺስት ዝኾነ ግብረ ሽበራ ዝገበሮ ደገፍን ይቕጽል ኣሎ። ጀርመን ብሰንኪ ምስዳድን ምሻጥ ኣጽዋር ውግእ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዚፍጸም ማህሰይቲ ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለት ተሓታቲት እያ።

ዓሌታዊ  ቕትለት ፖሊስ ኣብ ጀርመን ዘጋጠመ ፍጻመ ዉሕድ ኣይኮነን። ገለ ኻብቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ፉሉጥ ጕዳያት እቲ ብ2001 እተፈጸመ ቕትለት ጆን ኣኪዲን ናዲ ማሬም ሻርን ከምኡውን ብ2005 ኦሪ ጃሎን ላያ-ኣላማን ኮንደ እተፈጸመ ቕትለት እዩ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ መበል 10 ዓመት ቅትለት ክሪስቲ ሽዋንደክ እዩ ። ብ19 ግንቦት 2011 ኣብቲ ኣብ ፍራንክፈርት ኣም መይን ዚርከብ ማእከል ስራሕ ጋለስ ብፖሊስ ተቀቲላ እያ ።

ዓሌታዊ ዓመጻ ግን ኣባላት ፖሊስ ምስ ዚሰጕጉናን ዚቐትሉናን ኣይኮነን ዝጅምር። ሕግታት ባዕሉ፣ መንበሪ ገዛ፣ ስራሕ ፣ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ናብራ ከምኡውን መዘናግዒ ፕሮግራምን ቦታን ብዘየገድስ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ዝጭቍነና ብምሉኡ ስርዓት ኢዩ ዘሎ።

መንግስti ጀርመንን ሰልፊታትን ውድባትን ንረብሓታትና ክቃለሱ ኸም ዘይክእሉ ኻብ ነዊሕ ግዘ ኣትሒዞም ኣርእዮም እዮም። ስለዚ ኸኣ ኢና ዅላትና ሓቢርካ ምንባር ብዘይ ዓሌትነት ፣ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን ምዝመዛን ጭቈናን፣ ኩልትና ንኽንውደብን ንኽንቃለስን እንጽውዕ ዘለና። እዚ ቃልሲ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ።

ሓራ ንምውጻእ ኵሎም ጸለምቲን ድምጺ ሓሕዋትና ክንከዉንን ተላዒልና ኣለና። ኣብ ኣየነይቲ ሃገር ንነብር ብዘየገድስ ሓባራዊ ብጺሒቶን ካብ ኣፍሪቃ ዝመነጨ ሓባራዊ ታሪኽን ኣሎና ። ኣፍሪቃ ኣብ ሰንሰለት ባርነት ክሳዕ ዘላ ዋላ ሓደ ጸሊም ሰብ ሓራ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና ነቲ ሓድሽ መግዛእቲ ዝዀነ ምዝመዛን ነቲ ምስ ኣፍሪቃ ብሓደ ወገን ዚግበር ውግእን መወዳእታ እንገብረሉ ዘለና።

ብሓንሳእን ብሓድነትን ጥራይ ኢና ድልዱላት እንኸውን! ምውዳብን ርእሰ-ምክልኻልን!

„ምእንቲ ናጽነትና ኽንቃለስ ግዴታና እዩ። ክንዕወት ግዴታና እዩ ። ንሓድሕድና ኽንፋቐርን ክንደጋገፍን ኣሎና ። “ ኣሳታ ሻኩር